ግሰሳ ግስ

ኣብ እቱ ዝይስዕብ መእተዊ፥ ግስ ኣእትዉ። ድሕሪኡ "ኢንተር" ጠውቑ። እቱ ፕሮግራም ዝተፈላለዩ ግሰታታት እቱ ዘእተውኩምዎ ግስ ክይዝርዝረልኩም እዩ።



ፀገም ኣጋጢሙ

እቱ ቃል ብ ፊደላት ትግርኛ ጥራሕ ክይይሓፍ ኣለዎ። ኣብ ኦንላይን ኪቦርድ ፅሒፍካ ምቕዳሕ እውን ይከኣል እዩ።

ግሰሳ ግሳት ትግርኛ

ግሳት ትግርኛ መልክዖም ብ ምቕያር ጊዜ፥ ፆታ፥ ብዓል ቤት፥ ተሰሓቢ ወ ካልእ ኵነት የርእዩ። ስለ እዚ ድማ ሓደ ግስ ትግርኛ ኣዝዮም ብዙሓት መልክዓት ይህልዉዎ። እዞም ኣእላፍ መልክዓት ሓደ ግስ፡ ዝተፈላለዩ ኣምራት ል ምግላጽ የኽእሉ። ብ ካልእ ወገን ድማ እቱ ቋንቋ ል ኮምዩተራዊ ግበጣ፥ ስራሕቲ መዝገበ ቃላት፥ ወዘተ ኣዝዩ ከቢድ ይገብሩዎ። ምሳሌ፡ ግስ "በልዐ" ብ ውሑዱ ልዕሊ 50000 ዝዀኑ መልክዓት ይህልዉዎ። እዞም 50000 መልክዓት “በልዐ” ኣብ ሓደ መዝገበ ቃላት ከመይ ክይሰፍሩ ይግባእ? ኵሎም ምስፋር ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ምኽንያቱ እቱ ቋንቋ 10000 ግሳት እንተ ሃልዮሙዎ፥ 10000 X 50000 = 500,000,000 ግሳት ኣብ መዝገበ ቃላት ክነስፍር እይና ማለት እዩ። እዚ ኢይየዋፅእን። ካልኣት ኣስማት ወ ቅፅላት ምስ ዝንውስኽ፡ እቱ ቍፅሪ ቃላት ኣዝዩ ይውስኽ።

ካልእ መማረፂ፡ ስርወ ግስ (ምሳሌ በልዐ) ጥራሕ ብ ምምዝጋብ፥ እቶም ካልኦት መልክዓት (በልዐት፥ እናበልዐ፥ ወዘተ) ብ ሕጊ ስዋስዋው ክይጭጭሑ ምግባር እዩ። ብ ተገልብጦ ድማ፥ ካብ እቶም ዝተፈላለዩ መልክዓት ግስ ናብ እቱ ስርወ ግስ ምምላስ ምኽኣል ማለት እዩ። ምሳሌ እናበልዐት ናብ በልዐ። እዚ ል ምፅሓፍ ኣዝዮም ብዙሓት ሕግታት ይሓትት። ብ ተወሳኺ ድማ እቶም ሕግታት ንፁራት፥ ካብ ግስ ናብ ግስ ዘኢይፈላለዩ (ብ መጠኑ) ክይዀኑ ይግባእ።

ተመዝገብ/ቢ

ኣብ እዚ ብ ምምዝጋብ፥ ሓደሽቲ ቃላት፥ ብሂላትን፥ ምስላታትን ብ ኢመይል ይበጽሐካ/ኪ